Quantcast
Channel: Deqebat
Viewing all articles
Browse latest Browse all 379

ጅግና ኃይለ ወልደትንሳኤ ዑቕቡ (ድሩዕ)፣ነቲ ን30 ዓመታት ዝተቓለሰሉ ሓርነታዊ ሕልሚ ኤርትራ ከየስተማቐሮ፣ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ቤት ማእሠርቲ ዒራዒሮ ዓሪፉ ይብሃል ኣሎ።

$
0
0

ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኤርትራ፣ እቶም ነቲ ብሄርማን ኮሀን ኣብ ለንደን ዝተወሰነ ውዲታዊ ውሳኔ መሸጣ ኤርትራ ዝተቓወሙ 15 ገዳይም ሰበስልጣን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክእሰሩ ከለው፣ ብወገን ወያኔ ከኣ ነቲ ውዲት ኮሀን ዝተቋወሙ 15 ገዳይም ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም። እቶም 15 ሰበስልጣን ወያኔ ግና ንስለላ መርበብ ሲኣይኤ ንኸገልግሉ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ስለ ዝመልኡ፣ ነጻ ተፈሪዶም።  ገሊኦም ንኣሜሪካ ተላኢኾም፣ ገሊኦም ከኣ ክሳብ ሎሚ ኮራዅር ኣሜሪካ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ወያሜ ኣለው። እቶም ኣይንጥዓስን ኢና ዝበሉ  ብጂ 15 ዝፍሌጡ ገዳይም ሰበስልጣን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ግና፣ብሲኣይ ኤ.ንሓዋሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽበልዩ ተፈሪዶም። ሓደ ካብኦም ድማ ጅግና ኃይለ ወልደትንሳኤ ግዳይ ጽዮናውያን ኮይኑ ን18 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ኣብ ቤት ማእእሠርቲ ዓሪፉ ይብሃል ኣሎ። መንግስተ ሰማይ የዋርሶ!!!

ካብ ኣስመራ ዝመጸና ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፣ ጅግና ወደባት ኃይለ ወልደስላሴ ዑቕቡ (ድሩዕ)፣ ወዲ መረታ ሰበነ፣ ወዲ ኣከለን ጉዛይን፣ ወዲ ንጉስ መሮኒ ዝወለዶ፣ ወዲ ጫሉቕ፣ ኮታ ውሉድ ወዲ ውሉዳት ክነሱ፣ “ነንጭዋ ገዛስ ኣንጭዋ ደገ ተውጽኣ” ከምዝብሃል፣ ድሕሪ 30 ዓምታት ቃልሲ፣ በቲ ምጻእተኛን ክሳብ 3ይ ወለዶ ክቖጽር ዘይክእል ኢሰያስ ኣፈወርቂን፣ ግንከኣ ፍቓድ ስለላ መርበብ ዓሰብቲ ኢሰያስ ሲኣይኤን፣ ሞሳድን ስለዘየማልአ፣ንሕልፈት ተፈሪዱ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ድሕሪ 17 ዓመታት ጽኑዕ እስራት፣ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ዒራዕሮ፣ ብ25 ጥሪ 2018 ከምዝዓረፈን፣ ኣብ ሽንጭሮ ዒራዒሮ ተቐቢሩ።

ምእንቲ ሃገሩ ግና ጻማ ቃልሱ ከየስተማቐረ፣ እንሆ ሎሚ ድሕሪ 18 ዓመታት ማእሰርቲ፣ ብሞት ተፈልዩና። ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ግንከኣ በመደብ ጽዮናውያንን ኃይለ ወልደትንሳኤ ግዳይ ሃገሩ ኮይኑ፣ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዓሪፉ ተባሂሉ። ንኹሎም ቤተሰብ ኃይለ ወልደትንሳኤ ድማ (ድሩዕ) ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ነገር እንተሃለወ ድማ፣ እቶም 15 ኣባላት ፖሊት ቢሮ ወያኔ ድሕሪ ምእሰርቶም፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፣ ገሊኦም ንኣሜሪካ ተላኢኾም፣ እቶም ገሊኦም ከም ብዓል ኣባይ ጽሃየ ከኣ “ተጣዒስና ኢና፣ ኣሜሪካ ዝበለትና ክንፍጽም ኢና” ኢሎም ስለዝኣመኑ ኣገልገልቲ ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ገና ኣብ ስልጣን ህውሓት ተወጢሖም ኣለው። እቶም ገዳይም ሰበስልጣን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ግና ኣይፋልናን ንሓርነት ኤርትራ ስለዝወጻእና፣ ንጥዓሰሉ ነገር የብልና ስለዝበሉ ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ ህግደፍ በልዮም። እቶም ገሊኦም ሰንኪሎምን ዓዊሮምን፣ እቶምካልኦት ድማ በብሓደ ይሞቱ ኣለው።

ኣስተብህል፤
ክቡራት ደቂ ሃገር ኤርትራ፣ነዚ ውዲታዊ ስራሕ እዚ ግና ስለምንያይ ከምዝኾነ ትርድኡዎዶ? ንጒጅለ15 ዘእሰሮም  ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ እዩ እምበር፣ ነፋጥ ኢሰያስ ኣይነበረን። ስለዚ እምብኣር ሃገርና ኤርትራ፣ ሓንቲ ትካል ጽዮናውያን ኮይና፣ ህዝባ ድማ ይሃልቕ ኣሎ።

ኃይለ ድሩዕ ብ1946 ተወሊዱ። ላዕለዋይ ደረኋ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ፣ ንኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ፣ ብሞያ እንጂነር ተመሪቑ። ካብኡ ግና ፍቕሪ ሃገር ዓጂቡዎ፣ ብዙሕ ደሞዝ ዝረኽበሉ ሞያ ኢንጂነሪንግ ራሕሪሑ ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ንሜዳ ኤርትራ ወጺኡ። ተጋዳላይ ሓርበኛ ኃይለ ድሩዕ ንነጻነት ኤርትራ ክብል፣ ብሰንኪ ልኡኽመላኺ ኢሰያስ  ተፈሪዱ፣ ነጻነት ሃገሩ ከየስተማቐረ ብዘሕዝን ሕሱር ሕማም ካብዝ ዓለም ትማሊ ብሚት ተፈልዩ። ኣምላኽ ይቀበሎ።

መደረ ሃይለ ወልደትንሳአ ቅድሚ ብጽዮናውያን ምእሳሩ። “ኣብቲ ኣንጻር ወያኔ ንክልተ ዓመታት መኸተ ዝገበርናዮ ዝተማሃርናዮ ነገር ኣሎና።  ኣብዚ ምስ ወያኔ ንገብሮ ዝነበርና መኸተ ዳርጋ ኣዕሩኽቲ ኣይነበሩና እንተበልና ሓሶት ኣይኮነን። ንሕና ኣብዛ ዓለም ዝተማሃርናዮ ነገር ኣሎና፣ ዓለም ናታ ጠባይ ኣለዋ፣ ንሕና ንዓለም ከነሕጉስ ኢልና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣዛኒቕና፣ ኣካይዳና ገምጊምና ክንከይድ ኣሎና”……..ወዘተ…..።

ሃይለ ወልደስላሴ (ድሩዕ) ድሕሪ ስዕረት ህግደፍ ኣብ ኲናት ባድመን፣ድሕሪ ውዕል ኣልጀርያን፣ንሓፋሽ ውድባት ንምጽንናዕ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዘስምዖ ታሪኻዊ መደረ።


Viewing all articles
Browse latest Browse all 379

Trending Articles


Vimeo 10.7.1 by Vimeo.com, Inc.


UPDATE SC IDOL: TWO BECOME ONE


KASAMBAHAY BILL IN THE HOUSE


Girasoles para colorear


Presence Quotes – Positive Quotes


EASY COME, EASY GO


Love with Heart Breaking Quotes


Re:Mutton Pies (lleechef)


Ka longiing longsem kaba skhem bad kaba khlain ka pynlong kein ia ka...


Vimeo 10.7.0 by Vimeo.com, Inc.


FORECLOSURE OF REAL ESTATE MORTGAGE


FORTUITOUS EVENT


Pokemon para colorear


Sapos para colorear


Smile Quotes


Letting Go Quotes


Love Song lyrics that marks your Heart


RE: Mutton Pies (frankie241)


Hato lada ym dei namar ka jingpyrshah jong U JJM Nichols Roy (Bah Joy) ngin...


Long Distance Relationship Tagalog Love Quotes