ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. መተካእታ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ነቲ ወጻኢ ሚንስተር ዝነበረ ስልጣን ዝወዳደር፣ ወርቅነህ ገበየሁ ክመርጹዮም ይብሃል ኣሎ። እቲ ዝምረጽ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር፣ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኦሮሞ 36%ን፤ ንህዝቢ ኣምሓራን 24%፣ ዘይውክል እንተድኣ ኮይኑ ግና፣ እቲ ካብ 2015 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ዝባራዕ ዘሎ ተቓውሞን መኸተን ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን፤ ኣብ ዝገደደ ጥርዙ ክበጽሕ እዩ እምበር ደው ክብልስ ከቶ ኣይክእልን እዩ። መኽንያቱ ድማ ብዙሓት መራሕቲ ኦሮሞን፣ ኣምሓራን ከም ብዓል እንድ-ኣድርጋቸው ጽገ መራሒ ጉንበት 7 ብውዲት ባዕዳውያን ክሳብ ሎሚ ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ስለዘለው እዮም።
ኣቶ ኣንድ-ኣድርጋቸው ጽጌ ኣቦ መንበር ሰልፊ ግንቦት 7፣ብዕለት 23 ኦክቶበር 2014 ዓ.ም.ፈ.ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃገር የመን፣ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ፣ብውዲት መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሞሳድ፣ እስራኤልን ሃገር እንግሊዝን ዝወጸ መደብ ዕዮ፣ ብወያኔ ተጨውዩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ወያኔ ይርከብ ኣሎ። ንሳቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወጹ እምብኣር፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ለውጢ ክመጽእ ዘይከኣል እዩ። መኽንያቱ ጠለባት እዚ ዝምክት ዘሎ መንእሰይ ክስማዕ እንተድኣ ኮይኑ፣ መራሕቲወያኔ ስልጣኖም ንህዝቢ ከረክቡ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ግና፣እዚ ተላዒሉ ዘሎ መንእሰይ ደው ክብል ኣይክእልን እዩ። ወይከኣ ከምቲ ነቶም ሓርበኛታት ደቂ ግብጽን ቱኑዝያን ኣብ ሃገር ግብጽን ቱኒዝያን ብጥዪትን ማእሰርትን ዝተዀስተሩ፣እዞም ተቓወምቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ፣ወያኔ ብጥዪት ክዂስተሩውምን፣ ክኣስሩዎምን እንተዘይኮይኖም ዘይከኣል እዩ። እቲ መደብ ወያኔን ዓሰብቶም ጽዮናውያን ግና፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ስለዝኾነ፣ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቊሩብ ዓመታት፣ ብጥሪ 2011 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሃገር ቱኒዝያን፣ቀውዒ ዓረብ (Arab Springs) ዝብሃል መኸተ ተበጊሱ ነይሩ። እዝዩ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ከኣ ተላዕለ። እቲ ሽዑ እዋን ዝተበገሰ ህዝባዊ መኸተ ግና፣ ብሰንኪ ውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ብስለላን ኮለላን ስለዝተቆጻጸሩዎ ፈሺሉ። እቲ ንብረት ጽዮናውያን ዝነበረ፣ ፕረሲደንት ቱኒዝያ ብሓገዝ ጎይቶቱ፣ ካብ 80 ቢልዮን ዶላር ነንዘብ ህዝቢ ዘሚቱ፣ንዋሕስነት ህይወቱ ዝኸውን፣ ንባንክታት ጽዮናውያን ኣተሓላሊፉ። ኣብ ፍርዲ ከቀረበ ድማ፣ ብፍልይቲ ነፋሪት ኣህዲሞሞ። ጉዳይ ኢትዮጵያኸ ዝሓሸ ህዝባዊ ዓወትዶ ክረክብ እዩ ወይስ ከም መኸተ ደቂ ቱኒዝያን ግብጽን ክቕህም እዩ?
ኣብ ሃገር ትኑዝያ ብ2011 ዓ.ም.ፈ. ተበጊሱ ዝነበረ ህዝባዊ መኸተ፣ ብሰንኪ መሃንድሳት ጽዮናውያን በርዒኑ።
![]() |
ኣብ ሃገር ግብጺ ብ2011 ዓ.ም.ፈ. ተበጊሱ ዝነበረ ህዝባዊ መኸተ ብኢድ ምትእትታው ጽዮናውያን ፈሺሉ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ዝበልዐ፣ ብ”ዓረባዊ ቀውዒ” (Arab Spring) ሰውራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ብወተሃደራዊ ሓይሊ ቅሂሙ። ኣብ ግብጺ ዝነበረ ልኡኽ መላኺ መባራክ ህዝባዊ ፍርዲ ከይረኸበ ካብ 70 ቢልዮን ንላዕሊ ገንዘብ ህዝቢ ለኪሙ ኣብ ዝበለጸ ሆስፒታልን ክንክን ተሓድሶ ዝገብረሉ ቪላ ድማ ተውሲዱ። እቲ ኣብታ ዋና ከተማ ግብጺ ዝርከብ፣”ሜዳ ሓርነት” ዝብሃል ሰላማዊ ሰልፊ ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ፣ መደበር ታንክታት ጥራይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ግብጺ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ሞርሲ ድማ ንሞት ተፈሪዱ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ። እቲ ልኡኽ እስራአል ኣሜሪካን ጀነራል ሲሲ ግና ንህዝቢ ብወተሃደራዊ መግዛእቲ ይገዝኦ ኣሎ።
እቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ሞሓመድ ሞርሲ ኣል ኣያት (Mohamed Morsi El Ayat ከይተኣስረ ከሎ።
እቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ሞሓመድ ሞርሲ ኣል ኣያት (Mohamed Morsi El Ayat)፣ ደረጃ ትምህርቱ፣ ኣብ ዩኒቬርሲዪ ካይሮ ድሕሪ ምምራቑ፣ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሊፎርንያ ከኣ ቀጺሉ ብኢጂነር ተመሪቑ። ካብ 30 ሰነ 2012 ክሳብ 3 ሓምለ 2013 ዓ.ም.ፈ.፣ ንሓደ ዓመትን ወርሕን ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፣ በዚ ሎሚ ልኡኽ እስራኤል፣ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል- ሲሲ ስጒምቲ ዕልዋ መንግስቲ ተወሲዱሉ፣ ተኣሲሩ። ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ዝርከብ፣ ግንከኣ ብተወሳኺ 83.000 ፓውንድ ብገንዘብ መቕጻዕቲ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ግብጺ ንክኸፍል ተወሲኑሉ ኣሎ። ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል- ሲሲ ወላዲቱ እስራኤላዊት ስልዝኾነት፣ መንግስቲ ናታንያሁ ብስጒምትታት ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል- ሲሲ ሕጉስ እዩ።
